Willkommen auf den Seiten des Auswärtigen Amts
ሓበሬታ ወረቐት/ ገጽ ጥርናፈ ስድራ ንኤርትራውያንን ሶማልያውያን
ንኹሉ ዘድልዩ ሰነዳት
- ክልተ ብኣግባቡ ዝተመለኡን ዝተፈረሙን መመልከቲ ቅጥዒ ( Category D) ንሕድሕድ ኣመልከቲ > VIDEX national;
- ክልተ ዝተፈረሙ መግለፂ ድሕንነት
- ክልተ ናይ ቐረባ ግዘ ጉርዲ ፎቶ/ስእሊ ንሕድሕድ ኣመልካቲ (35 mm* 45 mm ባይትኡ ፃዕዳ ዝኾነ ) > sample chart for passport photos
- ግዜኡ ዘይሓለፈፓስፖርት ምስ ክልተ ኮፒ ገጽ መለለይ መንነት
> መብርሂ፦ ብሄራዊ ፓስፖርት ምቕራብ ነቲ ከይዲ ዝወስደሉ ግዘ ብሰሙናት ወይ ኣዋርሕ የሕፅሮ እዩ። - ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ፦ ናይ ኤርትራ መለለይ መንነት(ታሴራ) ምስ ክልተ ኮፒ ቅድሚትን ድሕሪትን ትታሴራ ፣ ናይነባርነት ዝገልጽ ታሴራ
- ዋና ምስ 2 ኮፒ መለለይ መንነት ካብዚኦም ሓደ (ETD ፣ ናይ ARRA ወረቐት፣ UNHCR መለለይ መንነት፣ ናይ ኤርትራ መለለይ መንነትን ነበራይነትን)
- ኣብ ኢትዮጵያ ንምንባር ፍቃድ ዝረኸቡ ምኳኖም መረጋግፂ (ስደተኛ ኮይኖም ክነብሩ ኣብ UNHCR ዝተመዝገብሉ ሰነድ ወይ ከዓ ኣብ ኢትዮጵያ ንምንባር ዝተወሃቦም እንተነኣሰ ናይ 6 ወርሒ ፍቓድ ) ዋና ምስ ክልተ ኮፒ
> ልቢ በሉ፦ ኣመልከቲ ድሕሪ ቪዛ ምርካቦም ካብ ኢትዮጵያ ምውፃእ ክካኣሎም ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ዝኾነ ነባርነት ክህልዎም ኣለዎ። ስለዚ ኣመልከቲ ቅድሚ ንቪዛ ምምልካቶም ናይ ኢትዮጵያ ጻንሒቶም/ነባርነቶም ሕጋዊ ከምዝኾነ ንመንበሪ ፍቓድ ብምምልካት ወይ ድማ ብስደተኛነት ብምምዝጋብ ኸረጋግጹ ከምዘለዎም ኣጥቢቕና ንሕብር።እዚ ድሕሪ ቪዛ ምውሃቦም ናይ በረራ ግዜ ክይዝንግዕ ዘረጋግፅሉ ብሕታዊ መንገዲ እዩ። - ናይ ልደት ሰርተፊኬት *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ
- እቲ መመልከቲ ቕድሚ እታ መወዳእታ ና ይ መመልቲተ መዓልቲ ዝተጀመረ ምዃኑ መረጋገፂ - ክልተ ኮፒ (እንድሕር ቅድም ኢሉ መዓልቲ ከይተወድኦም ኣመልኪቶም ነይሮም)
- ኣብ ጀርመን ናይ ዘሎ ኣባል ስድራ ፓሰፖርት -ክልተ ኮፒ
- ኣብ ጀርመን ናይ ዘሎ ኣባል ስድራ መንበሪ ፍቃድ -ክልተ ኮፒ
- ኣብ ጀርመን ዘሎ ኣባል ስድራ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝነብረሉ ኣድራሻ ዝተመዝገበ ምዃኑ ዝገልፅ ሰነድ -ክልተ ኮፒ
- (BAMF- Bescheid) እቲ ኣብ ጀርመን ዘሎ ሰብ ካብኡ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ፍልሰትን ስደተኛታትን ስደተኛ ኾይኑ ኽነብር ተቀባልነት ምርካቡ ዝገልፅ ስነድ -ክልተ ኮፒ
- እንድሕር ትዎኪሎም (እሶም ዎይ ኣብ ጀርመን ናይ ዘሎ ኣባል ስድራ)፤ ንኣብነት ጠበቓ ፣ ሕጋዊ ወኪል ወይ ሞግዚት ዝገብሩ እንተሊዮምጥብቅና ወይ ውክልና ዝሃብሉ ወረቐት - ኦርጅናል
- 75 ይሮ ( ንሕፃናት 37.5 ይሮ) (በቲ ኤምባሲ ክፍሊት ቤት ጽሕፈት ዘሎ እዋናዊ ሽርፊ ተገቢጡ ብኢትዮጵያ ብር ዝኽፈል።)
ናብ ናይ ሓዳር መፃምዶም ንዝኸዱ
- መርዓ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ኣብ ዝተወሃቦ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም እንተተመርዕዮም፣ ኦሪጅናል *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
- ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ እንተተመርዕዮም፣ ኦሪጂናል ምስ ክልተ ኮፒ እቲ መርዓ ከምዝተፈፀመ ዝገልፅ ከምኡው’ን መርዐኦም ኣብ ማዘጋጃ ቤት ዘመዝግብሉ *ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦሪጅናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
- እቲ መርዓ ኣብ ጀርመን ዘሎ ሰብ ጀርመን ድሕሪ ምብፃሑ ዝተኻየደ እንተኾይኑ፡ መረጋገፂ ክእለት ቋንቋ ጀርመን A1
- እቲ መርዓ ካብ ኤርትራ ወፃኢ ዝተገበረ እንተኾይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ሕጋውነት እቲ መርዓ ዘረጋግፁ ኩሎም ሰነዳት
- እንተሃልዩ ድማ፥
- ፎቶ/ስእሊ ስነ-ስርዓት መርዓ
- ናይ ትምህርቲ መረዳእታ፣ ናይ ስራሕ ውዕሊ/ መጣቐሲ ቁፃር ስራሕ
- ካብ ኣብ ጀርመን ዘሎ ኣባል ስድራ ዝግበር ናይ ገንዝብ ሓገዝ ምህላዉ ዘርእይ መረዳእታ
- ኣብ ጀርመን ዘሎ ሰብ ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስድርኡ መፂኡ ዝፈልጥ እንተኮይኑ ነዚ ዝገልፅ መረዳእታ ( ናይ ቪዛን ኣየር ትኬትን ኮፒ)
- ካብ ዝተፈላለይሉ ዕለት ጀሚሩ ብሰልኪ ዝራኸቡ/ ዝዳዋዎሉ ምንባሮም ዝገልፅ መረዳእታ
- ካብ ዝተፈላለይሉ ዕለት ጀሚሩ ብ ኢሜይል ኮነ ብማሕብራዊ ሚድያታት (IMO, messenger, WhatsApp, Viber ወዘተ) ዝተፀሓሐፍኩምዎን ዝተደዋወልክምዎን መረዳእታ (ኣብ ወረቐት ፕሪንት ተገይሩ)
ልቢ በሉ፥
- ካብ ሃይማኖት ትካላት ዝወሃብ ናይ መርዓ ሰርተፊኬት ወይ ብባህላዊ ዝግበር ውዕሊ መርዓ ክንዲ ብሕጋዊ ቤትጽሕፈት ምዝጋባ ህዝባዊ ምዝገባ ዝወሃብ ሰርቲፍኬት ( ናይ መዘጋጃ ቤት) መተካእታ ክኸወን ኣይኽእልን
- ናይ ጥምቀት ሰርተፊኬት መተካእታ ልደት ሰርተፊኬት ( ክብሪ መዝገብ) ክኸውን ኣይኽእልን
ኹሎም ሰነዳት/ ጽሑፋት ናይ ግድን ብ ቋንቋ ጀርመን ኣብ ሕብረት ኣውውሮፓ ቃለ መሓላ ብዝፈፀመ ተርጓሚ ተተርጒሞም ክቐርቡ ኣለዎም።
*ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ፦ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኤርትራ ዝተረጋገፀ
ናብ ወለዶም ንዝኸዱ ህፃናት
- ወለዶም ኣብ ናይ መርዓ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም እንተተመርዕዮም፣ *ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦሪጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
- ወለዶም ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ ስርዓት እንተተመርዕዮም ፤ ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ ዝተመርዐዉ ምዃኖም ዝገልጽ፣ ኦርጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
ከምኡው’ን መርዐኦም ኣብ ማዘጋጃ ቤት ዘመዝግብሉ *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦርጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ - እቶም ወለዲ ምርዑዋት እንተዘይኮይኖም ወይ ከዓ ሓዲኦም ናብ ጀርመን ዘይከዱ እንተኮይኖም፣ ወይ ከዓ ሓዲኦም ወለዲ ብሂወት ዘየለው እንተኾይኖም፡ ሕጋዊ ናይ ሞግዚትነት ሰርቲፊኬት ( ን ኣብነት፥ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ)፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ፣ ኣድለይ እንተኾይኑ፣ እቲ ዘይከይድ ወላዲ እቲ ህፃን ናብ ጀርመን ንክኸይድ ፍቕደኛ ምዃኑ ዝፈረመሉ ወረቐት/ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ምውት ሰርተፊኬት፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ
- ሕጋዊ ናይ ሞግዚትነት ሰነድ (ንኣብነት፡ ናይ ሞት ሰርቲፊኬት ኦርጅናል ምስ ክልተ ኮፒ ወይ ድማ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ሞግዚትነት ትእዛዝ ኦርጅናል ምስ ክልተ ኮፒ)
- ናይ ትምህርቲ መረዳእታ (ባጅላ)
- ናይ ህፃናት ጥዕናን ዕብየትን መከታተሊ ካርዲ
- ናይ ክታበት ካርድ
*ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ፦ ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኤርትራ ዝተረጋገፀ
ናብ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ኣባል ስድራ ንዝኸዱ
- እቶም ወለዲ ኣብ ናይ መርዓ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም እንተተመርዕዮም፣ *ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦሪጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
- እቶም ወለዲ ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ ስርዓት እንተተመርዕዮም፣ ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ ዝተመርዐዉ ምዃኖም ዝገልጽ፣ ኦርጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
ከምኡው’ን መርዐኦም ኣብ ማዘጋጃ ቤት ዘመዝግብሉ *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ - እቶም ወለዲ ምርዑዋት እንተዘይኮይኖም ወይ ከዓ ሓዲኦም ናብ ጀርመን ዘይከዱ እንተኮይኖም፣ ወይ ከዓ ሓዲኦም ወለዲ ብሂወት ዘየለው እንተኾይኖም፡ ሕጋዊ ናይ ሞግዚትነት ሰርቲፊኬት ( ን ኣብነት፥ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ)፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ፣ ኣድለይ እንተኾይኑ፣ እቲ ዘይከይድ ወላዲ እቲ ህፃን ናብ ጀርመን ንክኸይድ ፍቕደኛ ምዃኑ ዝፈረመሉ ወረቐት/ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ምውት ሰርተፊኬት፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ
- እንተሃልዩ ድማ፦
- ናይ ወለዲ ፎቶ ስነ-ስርዓት መርዓ
- ናይ ትምህርቲ መረዳእታ፣ ናይ ስራሕ ውዕሊ
- ካብ ዝተፈላለይሉ ዕለት ጀሚሩ ብ ኢሜይል ኮነ ብማሕብራዊ ሚድያታት (imo, messenger, WhatsApp, Viber ወዘተ) ዝተፀሓሐፍኩምዎን ዝተደዋወልክምዎን መረዳእታ (ኣብ ወረቐት ፕሪንት ተገይሩ)
ኹሎም ሰነዳት/ ጽሑፋት ግደን ብ ቋንቋጀርመን ዎይ እግሊዝኛ ክቐርቡ ኣለዎም።
*ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት፦ ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ