Willkommen auf den Seiten des Auswärtigen Amts

ሓበሬታ ወረቐት/ ገጽ ጥርናፈ ስድራ ንኤርትራውያንን ሶማልያውያን

08.12.2022 - Artikel

ንኹሉ ዘድልዩ ሰነዳት

  1. ክልተ ብኣግባቡ ዝተመለኡን ዝተፈረሙን መመልከቲ ቅጥዒ ( Category D) ንሕድሕድ ኣመልከቲ > VIDEX national;
  2. ክልተ ዝተፈረሙ መግለፂ ድሕንነት
  3. ክልተ ናይ ቐረባ ግዘ ጉርዲ ፎቶ/ስእሊ ንሕድሕድ ኣመልካቲ (35 mm* 45 mm ባይትኡ ፃዕዳ ዝኾነ ) > sample chart for passport photos
  4. ግዜኡ ዘይሓለፈፓስፖርት ምስ ክልተ ኮፒ ገጽ መለለይ መንነት
    > መብርሂ፦ ብሄራዊ ፓስፖርት ምቕራብ ነቲ ከይዲ ዝወስደሉ ግዘ ብሰሙናት ወይ ኣዋርሕ የሕፅሮ እዩ።
  5. ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ፦ ናይ ኤርትራ መለለይ መንነት(ታሴራ) ምስ ክልተ ኮፒ ቅድሚትን ድሕሪትን ትታሴራ ፣ ናይነባርነት ዝገልጽ ታሴራ
  6. ዋና ምስ 2 ኮፒ መለለይ መንነት ካብዚኦም ሓደ (ETD ፣ ናይ ARRA ወረቐት፣ UNHCR መለለይ መንነት፣ ናይ ኤርትራ መለለይ መንነትን ነበራይነትን)
  7. ኣብ ኢትዮጵያ ንምንባር ፍቃድ ዝረኸቡ ምኳኖም መረጋግፂ (ስደተኛ ኮይኖም ክነብሩ ኣብ UNHCR ዝተመዝገብሉ ሰነድ ወይ ከዓ ኣብ ኢትዮጵያ ንምንባር ዝተወሃቦም እንተነኣሰ ናይ 6 ወርሒ ፍቓድ ) ዋና ምስ ክልተ ኮፒ
    > ልቢ በሉ፦ ኣመልከቲ ድሕሪ ቪዛ ምርካቦም ካብ ኢትዮጵያ ምውፃእ ክካኣሎም ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ዝኾነ ነባርነት ክህልዎም ኣለዎ። ስለዚ ኣመልከቲ ቅድሚ ንቪዛ ምምልካቶም ናይ ኢትዮጵያ ጻንሒቶም/ነባርነቶም ሕጋዊ ከምዝኾነ ንመንበሪ ፍቓድ ብምምልካት ወይ ድማ ብስደተኛነት ብምምዝጋብ ኸረጋግጹ ከምዘለዎም ኣጥቢቕና ንሕብር።እዚ ድሕሪ ቪዛ ምውሃቦም ናይ በረራ ግዜ ክይዝንግዕ ዘረጋግፅሉ ብሕታዊ መንገዲ እዩ።
  8. ናይ ልደት ሰርተፊኬት *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ
  9. እቲ መመልከቲ ቕድሚ እታ መወዳእታ ና ይ መመልቲተ መዓልቲ ዝተጀመረ ምዃኑ መረጋገፂ - ክልተ ኮፒ (እንድሕር ቅድም ኢሉ መዓልቲ ከይተወድኦም ኣመልኪቶም ነይሮም)
  10. ኣብ ጀርመን ናይ ዘሎ ኣባል ስድራ ፓሰፖርት -ክልተ ኮፒ
  11. ኣብ ጀርመን ናይ ዘሎ ኣባል ስድራ መንበሪ ፍቃድ -ክልተ ኮፒ
  12. ኣብ ጀርመን ዘሎ ኣባል ስድራ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝነብረሉ ኣድራሻ ዝተመዝገበ ምዃኑ ዝገልፅ ሰነድ -ክልተ ኮፒ
  13. (BAMF- Bescheid) እቲ ኣብ ጀርመን ዘሎ ሰብ ካብኡ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ፍልሰትን ስደተኛታትን ስደተኛ ኾይኑ ኽነብር ተቀባልነት ምርካቡ ዝገልፅ ስነድ -ክልተ ኮፒ
  14. እንድሕር ትዎኪሎም (እሶም ዎይ ኣብ ጀርመን ናይ ዘሎ ኣባል ስድራ)፤ ንኣብነት ጠበቓ ፣ ሕጋዊ ወኪል ወይ ሞግዚት ዝገብሩ እንተሊዮምጥብቅና ወይ ውክልና ዝሃብሉ ወረቐት - ኦርጅናል
  15. 75 ይሮ ( ንሕፃናት 37.5 ይሮ) (በቲ ኤምባሲ ክፍሊት ቤት ጽሕፈት ዘሎ እዋናዊ ሽርፊ ተገቢጡ ብኢትዮጵያ ብር ዝኽፈል።)

ናብ ናይ ሓዳር መፃምዶም ንዝኸዱ

  1. መርዓ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ኣብ ዝተወሃቦ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም እንተተመርዕዮም፣ ኦሪጅናል *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
  2. ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ እንተተመርዕዮም፣ ኦሪጂናል ምስ ክልተ ኮፒ እቲ መርዓ ከምዝተፈፀመ ዝገልፅ ከምኡው’ን መርዐኦም ኣብ ማዘጋጃ ቤት ዘመዝግብሉ *ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦሪጅናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
  3.  እቲ መርዓ ኣብ ጀርመን ዘሎ ሰብ ጀርመን ድሕሪ ምብፃሑ ዝተኻየደ እንተኾይኑ፡ መረጋገፂ ክእለት ቋንቋ ጀርመን A1
  4. እቲ መርዓ ካብ ኤርትራ ወፃኢ ዝተገበረ እንተኾይኑ፡ ብመሰረት ሕጊ እታ ሃገር ሕጋውነት እቲ መርዓ ዘረጋግፁ ኩሎም ሰነዳት
  5. እንተሃልዩ ድማ፥
  • ፎቶ/ስእሊ ስነ-ስርዓት መርዓ
  • ናይ ትምህርቲ መረዳእታ፣ ናይ ስራሕ ውዕሊ/ መጣቐሲ ቁፃር ስራሕ
  • ካብ ኣብ ጀርመን ዘሎ ኣባል ስድራ ዝግበር ናይ ገንዝብ ሓገዝ ምህላዉ ዘርእይ መረዳእታ
  • ኣብ ጀርመን ዘሎ ሰብ ናብ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ስድርኡ መፂኡ ዝፈልጥ እንተኮይኑ ነዚ ዝገልፅ መረዳእታ ( ናይ ቪዛን ኣየር ትኬትን ኮፒ)
  • ካብ ዝተፈላለይሉ ዕለት ጀሚሩ ብሰልኪ ዝራኸቡ/ ዝዳዋዎሉ ምንባሮም ዝገልፅ መረዳእታ
  • ካብ ዝተፈላለይሉ ዕለት ጀሚሩ ብ ኢሜይል ኮነ ብማሕብራዊ ሚድያታት (IMO, messenger, WhatsApp, Viber ወዘተ) ዝተፀሓሐፍኩምዎን ዝተደዋወልክምዎን መረዳእታ (ኣብ ወረቐት ፕሪንት ተገይሩ)

ልቢ በሉ፥

  • ካብ ሃይማኖት ትካላት ዝወሃብ ናይ መርዓ ሰርተፊኬት ወይ ብባህላዊ ዝግበር ውዕሊ መርዓ ክንዲ ብሕጋዊ ቤትጽሕፈት ምዝጋባ ህዝባዊ ምዝገባ ዝወሃብ ሰርቲፍኬት ( ናይ መዘጋጃ ቤት) መተካእታ ክኸወን ኣይኽእልን
  • ናይ ጥምቀት ሰርተፊኬት መተካእታ ልደት ሰርተፊኬት ( ክብሪ መዝገብ) ክኸውን ኣይኽእልን

ኹሎም ሰነዳት/ ጽሑፋት ናይ ግድን ብ ቋንቋ ጀርመን ኣብ ሕብረት ኣውውሮፓ ቃለ መሓላ ብዝፈፀመ ተርጓሚ ተተርጒሞም ክቐርቡ ኣለዎም።
*ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ፦ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኤርትራ ዝተረጋገፀ

ናብ ወለዶም ንዝኸዱ ህፃናት

  1. ወለዶም ኣብ ናይ መርዓ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም እንተተመርዕዮም፣ *ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦሪጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
  2. ወለዶም ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ ስርዓት እንተተመርዕዮም ፤ ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ ዝተመርዐዉ ምዃኖም ዝገልጽ፣ ኦርጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
    ከምኡው’ን መርዐኦም ኣብ ማዘጋጃ ቤት ዘመዝግብሉ *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦርጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
  3. እቶም ወለዲ ምርዑዋት እንተዘይኮይኖም ወይ ከዓ ሓዲኦም ናብ ጀርመን ዘይከዱ እንተኮይኖም፣ ወይ ከዓ ሓዲኦም ወለዲ ብሂወት ዘየለው እንተኾይኖም፡ ሕጋዊ ናይ ሞግዚትነት ሰርቲፊኬት ( ን ኣብነት፥ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ)፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ፣ ኣድለይ እንተኾይኑ፣ እቲ ዘይከይድ ወላዲ እቲ ህፃን ናብ ጀርመን ንክኸይድ ፍቕደኛ ምዃኑ ዝፈረመሉ ወረቐት/ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ምውት ሰርተፊኬት፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ
  4. ሕጋዊ ናይ ሞግዚትነት ሰነድ (ንኣብነት፡ ናይ ሞት ሰርቲፊኬት ኦርጅናል ምስ ክልተ ኮፒ ወይ ድማ ናይ ቤት ፍርዲ ናይ ሞግዚትነት ትእዛዝ ኦርጅናል ምስ ክልተ ኮፒ)
  5. ናይ ትምህርቲ መረዳእታ (ባጅላ)
  6. ናይ ህፃናት ጥዕናን ዕብየትን መከታተሊ ካርዲ
  7. ናይ ክታበት ካርድ

*ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት ፦ ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ኤርትራ ዝተረጋገፀ

ናብ ኣብ ጀርመን ዝርከቡ ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ኣባል ስድራ ንዝኸዱ

  1. እቶም ወለዲ ኣብ ናይ መርዓ ንምምዝጋብ ሓላፍነት ዝተወሃቦ ቤት ፅሕፈት ቀሪቦም እንተተመርዕዮም፣ *ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ኦሪጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
  2. እቶም ወለዲ ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ ስርዓት እንተተመርዕዮም፣ ብባህላዊ ወይ ብሃይማኖታዊ መንገዲ ዝተመርዐዉ ምዃኖም ዝገልጽ፣ ኦርጂናል ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
    ከምኡው’ን መርዐኦም ኣብ ማዘጋጃ ቤት ዘመዝግብሉ *ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ ናይ መርዓ ሰርቲፊኬት- ምስ ክልተ ኮፒ
  3. እቶም ወለዲ ምርዑዋት እንተዘይኮይኖም ወይ ከዓ ሓዲኦም ናብ ጀርመን ዘይከዱ እንተኮይኖም፣ ወይ ከዓ ሓዲኦም ወለዲ ብሂወት ዘየለው እንተኾይኖም፡ ሕጋዊ ናይ ሞግዚትነት ሰርቲፊኬት ( ን ኣብነት፥ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ቤት ፍርዲ ትእዛዝ)፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ፣ ኣድለይ እንተኾይኑ፣ እቲ ዘይከይድ ወላዲ እቲ ህፃን ናብ ጀርመን ንክኸይድ ፍቕደኛ ምዃኑ ዝፈረመሉ ወረቐት/ ሓቃውነቱ ዝተረጋገፀ ናይ ምውት ሰርተፊኬት፡ ቀንዲ ምስ ክልተ ኮፒ
  4. እንተሃልዩ ድማ፦
  • ናይ ወለዲ ፎቶ ስነ-ስርዓት መርዓ
  • ናይ ትምህርቲ መረዳእታ፣ ናይ ስራሕ ውዕሊ
  • ካብ ዝተፈላለይሉ ዕለት ጀሚሩ ብ ኢሜይል ኮነ ብማሕብራዊ ሚድያታት (imo, messenger, WhatsApp, Viber ወዘተ) ዝተፀሓሐፍኩምዎን ዝተደዋወልክምዎን መረዳእታ (ኣብ ወረቐት ፕሪንት ተገይሩ)

ኹሎም ሰነዳት/ ጽሑፋት ግደን ብ ቋንቋጀርመን ዎይ እግሊዝኛ ክቐርቡ ኣለዎም።
*ንኤርትራውያን ጥራይ ዝምልከት፦ ሓቃውነቱ ብሚኒስተር ጉዳይ ወፃኢ ዝተረጋገፀ

nach oben